AKK Asker Kunstløpklubb

Leder: Steinar Liavaag
Telefon: 450 02 383
Kontaktperson: Yvonne Olstad
Telefon: 419 06 464

 

Jeg vil bli kontaktet av aktiviteten

Kunstløp

ኩንስትሎፕ ዝብሃል ዓይነት ናይ በረድ ሸታሕታሕ ጻውቲ፡ ኣብ መጻወቲ ናይ በረድ ቃርሳ ብምንስፋፍ ብምዛላልን ሕምብሊል ብምባልን እትጻወቶ ዓይነት ጻውቲ በረድ እዩ። ኣብዚ ጻውቲ በረድ፡ መሰረታዊ ትምህርቲ ትረክብ ከምኡውን ክትድልድልን ሚዛንካ ክትሕሉን ንጡፍ ክትከውንን ዘኽእለካ ስልጠና እውን ትረክብ። እዚ ኩንስትሎፕ ዝብሃል ዓይነት ናይ በረድ ሸታሕታሕ ጻውቲ፡ ብውልቂ ወይ ብጽምዲ ዄንካ ዝጽወት ባህ ዘብል ዓይነት ስፖርት እዩ። እቲ እትወዳደሮ ዓይነት ውድድር፡ ናይ ውልቂ ውድድር፡ ናይ ጽምዲ ውድድር፡ ናይ በረድ ሳዕስዒት፡ እተወሃሃደ (ሲንክሮ) ይብሃል።

ኩንስትሎፕ ዝብሃል ዓይነት ናይ በረድ ሸታሕታሕ ጻውቲ፡ በቲ ዝመረጽካዮ ሙዚቃ ተሰኒኻ እተፈላለየ ናይ ምንስፋፈን ምዝላልን ሕምብሊል ምባልን ምርኢት ምርኣይ የጠቓልል። እቲ ውድድር ሓጺር ፕሮግራምን ብናትካ ተበግሶ ድሌትካ ምርኢት እተርእየሉን ዓይነት ውድድር የጠቓልል። ኣብቲ ሓጺር ፕሮግራም፡ ኣቐዲምካ እተመደበ ዓይነት ምንስፋፍን ዝላን ኢኻ እተርኢ፡ ኣብቲ ብናትካ ተበግሶ ዝርአ ምርኢት ግና እቲ ተጻዋታይ ባዕሉ እዩ ኬሮግራፊ ወይ ዓይነት ምርኢት ዝመርጽ። እቲ ሓጺር ፕሮግራምን ብናትካ ተበግሶ እተርእዮ ምርኢትን ምስ ተዛዘመ፡ እቲ ዳያኑ ክብደት ናይቲ ጻውትን እተፈጸመሉ ኣገባብን ይግምግሙ፡ በዚ መሰረት ከኣ ነጥቢ ይህቡ።

Velg språk

Aktuelt språk: Tigrinja