Snøgg Turn

Litt om Turn

 

ምንቅስቃስ ኣካላት ማለት ብዝተፈላለዩ መልክዓት ምንቅስቃስ ኣካላትና ኮይኑ፡ ብእግርና ወይ ብዝተፈላለዩ መሳርሒታት ክነተግብሮ ንኽእል። ምንቅስቃስ ኣካላት ሓደ ዓይነት እስፖርት ኮይኑ ተሳተፍቲ ንብሕቶም ወይ ብሓንሳብ ምስ ካልኦት ሰባት ኮይኖም ክገብርዎ ይኽእሉ። ምንቅስቃስ ኣካላት ኣብ ንገብረሉ እዋን ኣካላትና ጽቡቅ ጌሩ ክሃንጸናን፡ ኣካላትና ክንቆጻጸርን የኽእለና። ከምኡ’ውን ቀንዲ ናቱ ስራሕ ከም ንተዓጻጸፍን ሓያላት ከም ንኸውንን ይገብረና።

መብዛሕትኦም ምንቅስቃስ ኣካላት ካብ ቆልዑትና ኣትሒዝና ከም መዘናግዒ ዝለመድናዮም ኢዮም፡ ንኣብነት ምንጣር ካብ ፈረስ፡ ምግምታል ወይ ዕንክሊል ምባል የጠቓልል። ገሊኦም ምንቅስቃሳት ዝኾነ መሳርሒ ኣየድልዮምን ኢዩ፡ ኣብኡ ከለና ኣብ ዝተነጸፈ መሬት ክንሰርሖም ንኽእል ኢና፡ ገሊኦም ግና ብጣዕሚ ብርቱዓት ስለ ዝኾኑ ናይ ግድን ንክንሰርሖም መሳርሒታት የድልየና። እዞም መሳርሒታት እዚኣቶም ከም በዓል ጎኒ ጎኒ ዝኸዱ ሓጻዊን፡ ፈረስ፡ ጩራ ከምኡ’ውን መንጸፍ ኢዮም፡ መሳርሒ ምንቅስቃስ ኣካላት ተባሂሎም ድማ ይጽውዑ። ኣብ ግዜ ውድድር እቶም ደያኑ ብመሰረት ብርታዐ ናይቲ ምንቅስቃስ፡ ብቅዓትን ፍሉይ ክእለትን ተሞርኲሶም ነጥቢ ይህቡ።

Kontakt Snøgg Turn

Leder: Else Merethe Deblitz Etholm
Telefon: 47300593
Mail: eme@ideakompetanse.no
Kontaktperson: Else Merethe Deblitz Etholm
Telefon: 47300593
Mail: eme@ideakompetanse.no