Notodden Dykkerklubb

Litt om Dykking

 

ንቝታዊ ምጥላቕ ከም ናይ ዝንባለ ድዩስ ከም ምዝንጋዓዊ ምንቅስቓስ ወይ ከም ስፖርታዊ ውድድር ዝካየድ ትሕተ-ማያዊ ንጥፈት እዩ። ስፖርታዊ ንቝታዊ ምጥላቕ ኣብ ክልተ ይኽፈል፦ ናጻ ንቝታዊ ምጥላቕ - ማለት ንቝታ ዝገብሩ ተወዳደርቲ ብዘይ ዝዀነ ይኹን ሓገዝ መሳርሒ ኣብ ትሕቲ ማይ ትንፋሶም ዓቚሮም ዝጸንሑሉ ወይ እቲ ዝያዳ ልሙድ ዝዀነ መሳርሒ ተጠቒምካ ዝካየድ ንቝታዊ ምጥላቕ። እዚ “ንቝታዊ ምጥላቕ ስኩባ” ተባሂሉ ይጽዋዕ። ተወዳደርቲ ንቝታዊ ምጥላቕ ስኩባ ጥሉል ወይ ዘይጥሉል ልብሲ፡ ከምኡ’ውን ንኸተንፍሱ ኰነ ኣብ ትሕቲ ማይ ንንውሕ ዝበለ እዋን ንኽጸንሑ ዝሕግዞም መሳርሒ ይጥቀሙ።

ዝተፈላለዩ ሓያለይ ዓይነት ትሕተ-ማያዊ ንጥፈታት እዮም ዘለዉ። እቶም ዝያዳ ህቡባት ዝዀኑ ናይ ምዝንጋዕ ትሕተ-ማያዊ ንጥፈታት ምስ ማያዊ ስነ-ህይወትን ማያዊ ስነ-ኣሰረ-ህይወትን፡ ከምኡ’ውን ምስ ትሕተ-ማያዊ ሃድን (ብጭማራ ሸኺትካ ዓሳታት ምሃዝ) ዝተኣሳሰሩ እዮም። እቶም ብመልክዕ ንቝታዊ ምጥላቕ ክካየዱ ዝኽእሉ ውድድራት ስፖርት ብመልክዕ ጕጅለ እውን ክካየዱ ዝኽእሉ ኰይኖም፡ ከም ትሕተ-ማያዊ ራግቢ፡ ትሕተ-ማያዊ ሻኲ፡ ናይ ነዊሕ ርሕቀት ምሕምባስ ናይ መጀለቢ ሳእኒ፡ ትሕተ-ማያዊ ስእልን ትሕተ-ማያዊ ሃድንን ዝኣመሰሉ ንጥፈታት የጠቓልሉ። ንቝታዊ ምጥላቕ ስኩባ ምክያዝ ወረቐት ፍቓድ ምርካብ ዝሓትት እዩ። ዝዀነ ይኹን ምሉእ ጥዕና ዝውንን ሰብ ኣብ ናይ ንቝታዊ ምጥላቕ ንጥፈታት ክሳተፍ ዝኽእል እኳ እንተዀነ ንቡር ዝዀነ ኵነታት ሳንቡእ ምውናን ዝሓትት እዩ። ኣብ ናይ ንቝታዊ ምጥላቕ ስልጠና ምስታፍ ድማ ሕክምናዊ መርመራ ምክያድ ይሓትት።

Kontakt Notodden Dykkerklubb

Leder: Borgar Johnsen
Telefon: 902 48 895
Mail: info@notoddendykkeklubb.no
Kontaktperson: Borgar Johnsen
Telefon: 902 48 895
Mail: info@notoddendykkeklubb.no