IL Ros - Basket

Litt om Basketball

 

ኩዕሶ ሰኪዔት ሓደ ካብቶም ኣብ ሙሉእ ዓለም ዝፍለጡን ብጋንታ ዝጽወቱን ዓይነት ስፖርት እዩ። ኩዕሶ ሰኪዔት ኣብ 28 ሜትሮ ብ 15 ሜትሮ ዝኾነ ስፍሓት መይዳ እዩ ዝጽወት። ኣብ ክልቲኡ ጫፋት ናይቲ መጻወቲ መይዳ 3.05 ሜትሮ ዝንውሓቱ ዝተሰቐለ ናይ ሸቶ መርበብ ኣሎ። ብሓደ ጊዜ፣ ክልተ ሓሙሓሙሽተ ተጻወቲ ዘለዉወን ተዋዳደርቲ ጋንታታት ኣብ ሓደ መጻወቲ መይዳ በቢ 10 ደቒቓ ኒ 4 ዙርያታት ይጻወታ። ተጻወቲ ኣብቲ ናይ መጻወቲ መይዳ ዘሎ ምልክት ውሽጢ ኩዕሶ ሒዞም ካብ ቦታ ናብ ቦታ ዝንቃሳቐሱ ነታ ኩዕሶ ሰኪዔት ኣብቲ ባይታ ብኢዶም እናንጠሩ እዮም። ብተወሳኺ ተዋዳደርቲ ተጻወቲ ነንገዛ ርእሶም ይታሓላለዉን ከምኡውን ንምጥቃዕን ንምክልኻልን ስትራቴጂ የውጽኡን እዮም።

ናይዚ ጸወታ’ዚ ዕላማ ኣብ ምዝዛም ሕድሕድ ጸወታ ክንድዝተኻእለ ዝበዝሐ ነጥቢ /ሸቶ/ ምቑጻር እዩ። ተጻወቲ ከከም ነታ ኹዕሶ ሰኪዔት ናብቲ ናይ ሸቶ መርበብ ደርብዮም ዘእትውሉ ቦታ ዝፋላለ፣ ሓንቲ ኩዕሶ ብውሽጢ መርበብ እንተሕሊፎም ክልተ ወይካዓ ሰለስተ ነጥቢ ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። ብተወሳኺውን ናይ መቕጻዕቲ ዕድል እንተረኺቦም ነኒሕድሕድ ናብ መርበብ ደርብዮም ዘሕልፍዎ ኩዕሶ ሓድሓደ ነጥቢ ይረኽቡ። ዋላኳ ኣብ ኩዕሶ ሰኪዔት ጸወታ ቡዙሕ ሕጊ እንተሃለዉ፣ ብተናጻጻሪ /ብተዛማዲ/ ንምምሃሩ ቐሊል ዝኾነ ጸወታ እዩ። መብዛሕትኡ ጊዜ ቡዙሕ ሸቶ ተቑጽረሉ ቡዙሕ ቴክኒክ ዘለዎ ንሁር ጸወታ ኾይኑ ንተጻወቲን ንተመልከቲን /ታዓዘብቲን/ ዘዛናግዕ እዩ። ተጻወቲ ኩዕሶ ሰኪዔት ቁመቶም ነዋሕቲ ክኾኑ ኣለዎም ዝብል ጽውጽዋይ ኣሎ። ከም ሓቂ ግን እቶም ዝበዝሑ ኣዝዮም ንፉዓት ዝኾኑ ተጻወቲ ናይ ዓለም፣ ማእኸላይ /ኖርማል/ ቁመት ዘለዎም እዮም። ኩዕሶ ሰኪዔት ኩሉ ክጻወቶ ዝኽእል ኣብ ደገ ይኹን ኣብ ውሽጢ ኣዳራሽ ክጽወት ዝኽእል ዓይነት ስፖርት እዩ።

Kontakt IL Ros - Basket

Leder: Bjarte E. Grostøl
Telefon: 917 12 847
Mail: begrosto@online.no
Kontaktperson: Bjarte E. Grostøl
Telefon: 917 12 847
Mail: begrosto@online.no